Thursday, October 9, 2014

እቲ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ብካድረታት ጉጅለ ኢህወዴግ ንተምሃሮ 10ይን 12ተን ክፍሊ ብዛዕባ መረፃ ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ እቶም ተምሃሮ ከም ዝተቓወምዎ ተገሊፁ፣





እቶም ትምህርቶም ኣቋሪፆም ብግዴታ ኣብ ኣኼባ  ተፀሚዶም ዝርከቡ ተምሃሮ 10ይን 12ተን ክፍሊ፤  ነቲ ብካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ብዛዕባ  ኣብ መፃኢ 2007 ዓ/ም  ኣብ ዝካየድ መረፃ ንዉድብ ኢህወዴግ ክመርፁ ከም ዘለዎም ይጉስጉስዎም ዋላ’ኳ እንተለዉ፤ እንተኾነ እቶም ተምሃሮ ናይ ትምህርቲ ክፍለ  ግዜና ኣይተባኽኑልና፤ እዚ ቤት ትምህርቲ ደኣ  እምበረ  ናይ ፖለቲካ መጎሳጎሲ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ዝቐረበ  ኣጀንዳ ከም ዝተቓወምዎ ምንጭታትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
        ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም ተምሃሮ ተገዲዶም ምስ ተኣከቡ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ “ንስኹም መራሕቲ  ኢህወዴግ ኢኹም  ሃገርን ህዝብን እትርብሹ ዘለኹም፤ ኣብ ተግባር ዘይውዕል ዲሞክራሲ ትብሉ፤ ሃገር ንምብትታን ዘፍቕድ ኣብ ሕገ መንግስትኹም ዓንቀፅ 39 ምግንፃል ዝብል ኣስፊርኩም፤ ገበን ዘይፈፀሙ ተቓለስትን ኣባላት ተቓውምቲ ወድባትን ኣሸበርቲ እናበልኩም  ትጨውዩን  ትቐትሉን፤ ከም ውፅኢቱ ተቓወምቲ ብሰለማዊ ፖለቲካዊ መንገዲ ከይቃለሱ ባይታ ስለ ዝኸላእኹሞም ናብ በረኻ ወፅዮም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ዝግደዱ ዘለዉን” ካልእን ብምባል ንጉዕዙይ ኣካይዳ ናይቲ ገዛኢ ጉጀለ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ።