Friday, October 10, 2014

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ንዕለታዊ መነባብሮ ዘድልዩ ሃለኽቲ ነገራት ካብ ዕዳጋ ብምጥፍኦም ነባሪ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ተገሊፁ፣





ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝነብር መላእ  ሕብረተሰብ። ንዕለታዊ መሕበራዊ ህይወቱ ዘድልይዎ ሃለኽቲ ቀረባት ኣብ ዕዳጋ ክረኽቦም ብዘይምኽኣሉ ንዝኸፈአ ፀገም ምቅልዑ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ከዓ ከም ዘይቲ፤ ሽኮር፤ ፊኖ መስርሒ ባኒን ካልኦትን ኣገደስቲ ቀረባት ካብ ዕደጋ ጠቕሊሎም ካብ ዝጠፍኡ ነዊሕ ግዜ ስለ ዘቑፀሩ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ንኽገብር መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ኣፍልጡ፣
ምኽንያት ምጥፋእ ናይ’ዞም ሃለኽቲ ነገራት በቲ ስርዓት ንህዝቢ ከከፋፍሉ ተባሂሎም ተመሪፆም ዝተቐምጡ ነጋዶ ሰብ ሃፍቲ እንትኾኑ። ንሳቶም እቲ ንህዝቢ ከከፋፍልዎ ዝተረከብዎ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝኣምሰለ ቀረባት እናሓብኡ ንዕኦም ብዘኽስብ ዉሻጣ ዉሽጢ ይሸጥዎ ከምዘለዉ ተገሊፁ፣
ብጀካ እዚ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ንመሰርሒ ማእኸል ፒያሳ ክዉዕል ዘዋፅኦ ልዕሊ 60 ሽሕ ብር። ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘዉዓሎ ብህዝቢ ዝተገምገመ ከንቲባ ናይ’ታ ከተማ ተስፋኣለም ደስታ። ነዚ ተኸቲሉ ናብ ከተማ መቐለ ክቕየር ስለ ዝተገብረ ህዝቢ ድማ ሙስና ዝፈፀመ ሰብ ብሕጊ ከይሕተት ምእንታን። ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀይርኩሞ እናበለ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ተቓዉሞ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ፣