ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ነጋዶ። ወነንቲ
ትካላትን ሸቐጣ ሸቐጥን ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ ብልኡዃት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ይግደዱ ብምህላዎም።
ቅድም ኢሎም ዘጥረይዎ ንብረት ሓርጆም ይኸፍሉ ኣብ ዘለውሉ። ከምዚ ገይርካ ሰሪሕኻ ዝመፅእ ለዉጢ መነባብሮ የለን ብምባል።
ንግዲ ፍቓዶም ተረከቡና ይብሉ ከም ዘለው ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣
ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክፈሉ ዝተበሃሉን
ትካሎም ዝዓፀዉን ንምጥቃስ፦
1. ጉዕሽ ፎቶ በዓል ዋና ሰላም ሆቴል 2 ሚልዮን ብር
2. ሽሻይ ማርቆስ ናይ ሰሊጥ ነጋዳይ
3. ገብረ ታረቀ ወናኒ ትካል ሸቕጣ ሸቐጥ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነጋዶ ብሰንኪ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣከፋፍላ ግብሪ
ንፀገም ተቓልዖም ምህላዎም ኣፍሊጡ፣