ብላዕለዎት
መራሕቲ ኢህወዴግ መሪሕነት ንኹሎም ካድረታትን ኣባላትን ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ
ኣኼባ ይካየድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ኣጀንዳ
ናይቲ ኣኼባ ድማ ብዛዕባ መረፃ ከመይ ንኸይድ ኣለና፤ ንመረፃ
ዝምልከት ዝተርፈና ነገር እንታይ ኣሎ፤ ክንገብሮ ዝግባእ ቅድመ ምድላው። ከምኡ’ዉን
ኩሎም ታሕተዎት ካድረታት ህዝቢ ንኢህወዴግ ክመርፅ
ኣበርቲዖም ክጉስጉሱ ከም ዘለዎም መመርሒ ከም ዘውረድሎም ተፈሊጡ፣
ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። እቶም ተኣከብቲ ህዝቢ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ
ናይ መነባብሮ ፀገም እንከይተፈትሓሉ። ብዛዕባ መረፃ ኣመልኪትና እንገብሮ ጎስጓስ ኣይቕበለናን ስለ’ዚ መንግስቲ ፀገም መነባብሮ
ህዝቢ ክፈትሕ ክኽእል ኣለዎ ክብሉ ዘቐረብዎ ሓሳብ። እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ኢወዴግ ስለ ዝነፅግዎ ከይተሰማምዑ እቲ ኣኼባ ከም
ዝተበተነ ተፈሊጡ፣