ከም ሓበሬታ ምንጭታትና መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ
ኣብዚ ሕዚ እዋን መሰረታዊ ቀረባት ዝብሃሉ ከም ዘይቲ፤ ሽኮር፤ ስርናይ /ፊኖ/ን ዝኣምሰሉ ጠለባት ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም ከም
ዝጠፍኡ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣብ ዘለሉ፤ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ግን ንህዝቢ ዘድልይዎ ጠለባት ብፍላይ ከዓ ነቲ
ታሕተዋይ መነባብሮ ዝመርሕ ህዝቢ መነባብርኡ ንምስትኽኻል ህዝቢ ብዝመረፆም ነጋዶ ብተመጣጣኒ ዋጋ ክከፋፈል ይገብር ኣለኹ ዋላ
እኳ እንተበለ ኣብ ባይታ ግን ብኣንፃሩ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣
ኣስዒቡ እቲ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርና ዝበፀሓና
ሓበሬታ መከፋፈልቲ መሰረታዊ ቀረባት ተባሂሎም በቢ ከባቢኡ ዝተቐመጡ ነጋዶ ኣባላት ናይ’ቲ ስርዓት ስለ ዝኾኑ፤ ብሽም ህዝቢ
ዝተረከብዎ ሸቐጣት ናብ’ቲ ዝግብኦ ከይተባፅሐ ንባዕሎም ብዘኽስቦም ንሰብ ሃፍቲ እናሸጡ ምስ ኣመሓደርቲ ተኻፊሎም ኣብ ዉልቃዊ
ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ፤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብህዝቢ ተገምጊሙ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ ነቲ ትሑት መነባብሮ
ዝመርሕ ስድራ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ክወድቕ ገይርዎ ከም ዘሎ ገሊፁ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ኣብ ገለ ዕዳጋታት
ሃገርና ሽኮር ንሓደ ኪሎ ካብ 60 ክሳብ 70 ብር ይሽየጥ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ግን ሽኮር ጠቕሊሉ
ብምጥፍኡ ሻሂ ክሰቲ ዝደሊ ሰብ ከረሜላ ኣምኪኹ ምጥቃም ከም ሓደ መፍትሒ ዝወስደሉ ደረጃ በፂሑ ምህላዉ ኣገንዚቡ፣