Saturday, October 11, 2014

ካብ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወደግ ብዝተፋላለዩ ምኽንያት ተባሪሮም ዝፀንሑ መኮንናት ኣብ መረፃ ህዝቢ ከላዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እቲ ስርዓት ኣብ ስግኣት ወዲቑ ምህላዉ ተገሊፁ፣




ኣብቲ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ጉጅለ ኢህወደግ ይካየድ ዘሎ ተኻታታሊ ኣኼባ እቶም መራሕቲ ብዛዕባ መረፃ ዝምልከት ኣብ ዘቕረብዎ ኣጀንዳ። መረፃ ይቐርብ ስለ ዘሎ ኣብ ጎኒ ኢህወደግ ብከመይ ንሓግዝ ክብሉ ንዘቕረብዎ ሓሳብ፤ ነቶም ቅድሚ ሕዚ ብዝተፋላለዩ ምኽንያት ካብ’ቲ ምክልኻል ተኣልዮም ንዝፀንሑ ካብ ሻለቃ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣብ ህዝቢ ተሰማዕነት ስለ ዘለዎም፤ ህዝቢ ወዲቦም ኣንፃር መንግስቲ ከይንቀሳቐሱ ብጥቕማ ጥቕሚ ክጥበሩ ከም ዘለዎም ይዘራረብሉ ምህላዎም ተፈሊጡ፣

እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ጉጅለ ኢህወደግ ነቶም ኣይተድልዩን ኢሉ ጉሒፍዎም ዝፀንሐ ሰብ መዓርግ ወተሃደራት፤ ከካብ ዘለዉዎ ቦታ ብምስሓብ ተቓለስቲ ኢኹም መንግስትና ክትጥቀሙ ደልይኩም ኣሎ ኢልካ ብምጉስጓስ፤ ናብ ዓቃቢ ሰላም ንስደዶም ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ድሕሪ ምግላፅ፤ እዚ ከዓ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ክብሉ ዝፈጠርዎ ሽርሒ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣