ብመስረት እቲ ሓበሬታ እዞም ካብ ክልል ኣምሓራ
መዓልታዊ ስራሕ ንምድላይ ናብ ከተማ ማይ ካድራ ዝኸዱ ወገናት፤ ተወላዲ ወሎን ጎጃምን ብዝብል ከባብያዉነት ዝመንቀሊኡ ምጉጅጃል
ኣብ ሞንጎኦም ባእስን ዕግርግርን ተላዒሉ ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፤ ከም ውፅኢቱ ድማ ኣሽማቶም ብንፁር ዘይተፈልጡ 5ተ ወገናትና ብኻራ ተወጊኦም ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ በቲ ኣብ መንጎ ተወልድቲ ወሎን ጎጃምን ዝተፈጥረ ባእሲ ናይ ዝሞቱ ዜጋታት ቀተልቶም ዛጊት ዘይተታሕዙ ኮይኖም፤
ኣኽበርቲ ፀጥታ ናይ’ታ ከተማ ፈፀምቲ ገበን ኣብ ምሕዝ ይኹን ንምርግጋእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብዘይምህላዉ፤ ነባሪ ህዝቢ እቲ
ስርዓት ኮነ ኢሉ ዝኣጎዶ ባእሲ ክኸዉን ይኽእል እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎ ጥርጣረ ይገልፅ ምህላዎም
ተፈሊጡ፣