Saturday, October 11, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ስራሕ ዝደሊ ሰብ ናብ ክልል ትግራይ ከበቢታት ሑመራ ከይኸይድ ይኽልክልዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣





እዞም  ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሽሞኛታት ብኣዴን-ኢህወዴግ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ምቅርራብ ንኸይህሉ ውዲታት ይፍሕሱ  ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤   ካብ’ቶም ዝፍሕስዎም ዘለዉ ሽርሕታት ድማ  ኣብ  መንጎ ክልቲኡ ክልላት  መሬት ዝመበገሲኡ ባእሲ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ ስራሕ ንምድላይ ናብ ናብ ከተማ ሑመራ ከይትኸዱ፤  ኣብ  መተማን ዓውደ ራፍዕን ሰሪሕኹም ብልዑ ብምባል ይጉስጉስዎም ከም ዘለዉ  ተፈሊጡ፣
     እንተኾነ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ነቲ ብካድረታት ዝቐረበ ሓሳብ ብምንፃግ ህዝቢ ትግራይ ዝበደለና የለን። ንሕና ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና ኣይትፈላልዩና፤ ንስኹም ናይ ባዕልኹም ፀገም ፍትሑ፤ ከምዚ እናበልኩም ህዝቢ ኣይተባእሱ ብምባል፤ ናብ ሑመራ ብምኻድ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣