Friday, October 10, 2014

ፖላዊስ ከተማ መቐለ ወሰኽ ደሞወዝ ኣብ ኩሉ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ እንትግበር ስለ ምንታይ ኣባና ወሰኽ ዘይግብር ብምባል ሕቶኦም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣





እቶም ኣብ ዞባ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ዝርከብ  ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ተመዲቦም ኣብ ምስራሕ ዘለዉ። ኣዘዝቲ ፖሊስ ምስ ኣባላቶም ብምዃን መንግስቲ ኣብ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወሰኽ መሃያ ወይ ከዓ ናይ ፔሮል ምስትኽኻል እንትገብር ኣባና ወሰኽ ደሞወዝ ዘይተገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፤ ከም ሃገርና ዶ ኣይኮነን ንደክም ዘለና፤ ወዘተ እንትብሉ ብዝሓየለ መንገዲ ሕትኦም ኣጠናኺሮም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ እቶም ፖላዊስ ብኮማንደር ኣረጋዊ ብዝተበሃለ ኣዛዚኦም እናተመርሑ ካብ ዘልዕልዎም ዘለዉ ከበድቲ ሕቶታት። ንሕና ከም’ቲ ካልእ ሰራሕተኛ ወሰኽ ደሞወዝ  ዘይግበረልና፤ በቲ ዝኸፈልና ዘሎ ኣዚዩ ትሑት መሃያ ምስ’ቲ ዘሎ ክብሪ መነባብሮና ክንመርሕ ተፀጊምና ክብሉ ደጋጊሞም ኣብ ምሕታት ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣