ካብ’ቲ ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም
ዘመላኽቶ፣ በቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት ወሰኽ ደሞወዝ ኣብ ሰራዊት ከመይ ኢሉ እዩ ፀገም ፈጢሩ ሰራዊት ይጠፍእ
ዘሎ፤ ግብፂ ንግድብ ኣባይ ተቐቢለዮ እየ ዋላ እንተበለት ፀኒሓ ፀገም ክትፈጥር ስለ ትኽእል ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሰራዊት ይጠፍእ ብምህላዉ ድማ ከመይ ጌርና ኢና ጠጠዉ
ክነብሎ ንኽእል ዝብሉን ካልኦትን ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ፣
ብወገን እቶም ታሕተዎት ድማ ጠንቂ ናይ’ቲ
ይጠፍእ ዘሎ ሰራዊት ንስኹምን መንግስትን ዝፈጠርኩሞ ፀገም እዩ። ንሱ’ዉን ንሰራዊት ከየማኸርኩም ደሞወዙ ብላዕሊ ክቑረፅ
ትገብሩ ኣለኹም። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ረንጀር 480 ብር፤ ናይ ጫማ 330 ብር፤ ናይ ከናቲራን ከልእን እናተበሃለ
ይቑረፅ ኣሎ። እዙይ ድማ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ንግዲ የካይድ ኣሎ። እተን ወሰኽ ደሞወዝ ተመሊሰን ናብ ኢድ መንግስቲ ይኣትዋ
ኣለዋ ክብሉ ኣምሪሮ ይዛረብሉ ምህላዎም ገሊፁ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፤ እቶም ታሕተዎት ሓለፍቲ ሰራዊት
ኣገልግሎት 7ተ ዓመት ወዲኡ ናብራይ ክመርሕ ኢሉ ዝሓተተ ወተሃደር ይኽላእ ኣሎ፤ መንግስቲ ባዕሉ ዘዉፅኦ ሕጊ
ባዕሉ ይጥሕሶ ኣሎ፤ እዚ ኩነታት ከም ዘለዎ እንተቐፂሉ ኣብዚ ውትህድርና ጠጠዉ ኢሉ ንሪኦ ሰራዊት የለን፤ ገሊኡ ጠፊኡ ንዓዱ ገሊኡ
ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዘካይዳ ውድባት ብምኻድ ይዓጥቕ ኣሎ ክብሉ ምዝራቦም ነቲ ጉዳይ ይከታተሉ ዘለው ምንጭታትና ኣቃሊዖም፣