ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ማእኸል
ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ጣብያ ኣበባ ዮሃንስ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ተኽለ ሞጎስ ዝተበሃለ ፀገም መነባብሮ ንዘለዎም ወገናት
ክውዕል ተባሂሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተረኸበ ሓገዝ እኽልን ገንዘብን ኣብ ዝግብኦ ቦታ ከይወዓለ ኣየር ብኣየር ኣብ
ዉልቃዊ ረብሕኡ የውዕሎ ከም ዘሎ ብነባሪ ህዝቢ እታ ጣብያ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ብሕጊ ክሕተት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ተገምጊሙን
ጥርዓናት ቀሪቡን ከብቅዕ። ሰበ ስልጣን ወረዳ ግን ብጥቕማጥቕሚ ምስኡ ጥቡቕ ምትእስሳር ገይሮም ስለ ዝፀንሑ ብመንገዲ ናሃቱ
ዝረኽብዎ ዝነበሩ ረብሓ ከይስእኑ ክብሉ ካብ ሓላፍነቱ ከይወርድ ክከላኸልሉ ከም ዝፀንሑ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ነባሪ ህዝቢ
እታ ጣብያ ጥርዕናት ብኣግባቡ ኣቕርቡ ብኣመሓደርቲ ወረዳ ክስማዕ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ እቶም
ኣምሓደርቲ ተቓዉሞ ምስ ኣለዓለ ነቲ ኣመሓዳሪ ጣብያ ዝነበረ ኣዉሪዶም ኣብ ክንድኡ ተኽለ ኣፅብሃ ዝተበሃለ እኳ እንተሸሙ፤ እቲ
ካብ ኣፍ ዉፅዕ ህዝቢ እናመዘዐ ገበናት ክፍፅም ዝፀንሐ ተኽለ ሞጎስ ግን ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ከይሕተት ከለላ ኮይኖሞ ከም ዘለዉ
ገሊፁ፣