Thursday, October 9, 2014





ፀረ ዴሞክራሲያዊ ተግባራት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብእስ እንበር ክማሓየሽ ኣይኽእልን!!


    ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ካብ ብዓንተውኡ ንስለ ህዝቢ ጠጠው ዘይበለ እኽብካብ ጉጅለ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ፣ እዚ ስርዓት’ዚ ካብ ዘለዎ ዕሙት ፀረ-ህዝቢ አካይድኡ ዝብገስ ንገዛእ ህዝቡ ረጊፁ ብምሓዝ ኣነ እንተዘይሃልየ ክትበታተን ኢኻ፤ መስመር ኢህወደግ እንኮ ድሕንነት ሃገርን ህዝብን’ዩ ወ.ዘ.ተ ዝብል ፀቢብ ኣረአእያ ተሓንጊጡ ሃገር ናብ ውልቀ መላኺ ኣገዛዝኣ ንኽትኣቱ ዝገበረ ናይዚ ዘበን ፀረ ሰላም ጉጅለ’ዩ፣


ወያነ ኢህወደግ ነቲ ቅድም ኢሉ እናሰርሐሉ ዝመፀ ዓማፂ ባህሪ ብሰፊሑ ንምትግባር ብፍላይ ካብ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ጀሚሩ ሃገርና ኢትዮጵያ ብሓደ ውልቀ ገባሪ ሓዳጊ ስርዓት ክትመራሕ፤ መድበለ ስርዓት ንኸይዕንብብን ተወዳዳሪ ኣብ ዘይብሉ ከይዲ መረፃ ብዓብላሊ ድምፂ ከም ዝሰዓረ ጌሩ ብምግላፅን። ዳርጋ አብ ኩሎም ዝተኻየዱ ናይ መረፃ እዋናት። ድምፂ ህዝቢ ዓፊኑ ብስርቅን ምጭብርባርን ስዒረ ኣለኹ ብምባል።  ንማሕበረሰብ ዓለም ከደናግር ፀኒሑ’ዩ፣
    ናይ’ዚ ስርዓት እዚ ብልሹው ኣካይዳታት ፅሒፍካን ዘርዝርካን እኳ ዝውዳእ እንተዘይኮነ። ነቶም ቀንድን መሰረታውን ብፍላይ  መረፃ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ዘካይዶም ነይ ምድንጋር ጎስጓሳትን ምጥሓስ ሰብአዊ መሰላትን። ሕዚ’ውን ከም ኣመሉ  ይሰርሓሎም ኣሎ፣ ንገሊኦም ንምጥቃስ።-
    - ቅድም ክብል ኣብ ኩሎም ናይ ሃገርና ክልላት ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ መንግስቲ። ንገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ክመርፅ ከም ዝግቦኦ። ነዚ ንምፋፃም ዘኽእሎ ዕማም ንምክያድ ድማ። ካብ ብሕዚኡ ጀሚሩ ተስፋ ተቃዋምቲ ውድባት ንምፅልማትን ምንቅስቓሶም ንምቁፅፃርን ምእንታ ክኽእል። ብስም መረፃ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ጥቡቅ ክትትል ክግበረሉ መምርሒ ከም ዝተሓላለፉ፤
    - ከምዝፍለጥ ቅድም ክብል ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁፀፀር ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ናይ ዘለዋ ተለጠፍቲ ፓርትታት ኣባል እንተዘይኮይኑ። ሓገዝ ከም ዘይረክብ፤ ኣባል ናይ ካልኦት ተቓወምቲ እንተደኣ ኮይኑ ገዛ ክራይን ካብ ሕብረትሰብ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ምትሕግጋዝ ብዝተፈላለየ መልክዕ ተፅዕኖ ክግበረሉን ተነፅሎነት ክሓድሮን። ብሓፈሻ ካብቲ ማሕበረሰብ ክንፀል ይግብር ከም ዝነበረ፣  ሕዚ’ውን እንተኾነ ነዚ ፀረ ህዝቢ ተግባራቱ ብምጥንኻር። 2007 ዓ/ም ኣብ ዝግበር ናይ ይምሰል መረፃ ሕጋውን ሰላማውን ብዘይኮነ መንገዲ ንኽካየድ ዓሊሙ። ዝኾነ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ። ኣባል ኢህወደግ ንምዃኑ ዘረጋግፅ መለለይ ወረቐት ክሕዝ ብምግዳዱ። ሰራሕተኛታት ከይፈተው ካብ ስርሖም ንኸይስጎጉ ብምስጋእ ነቲ መምርሒ ከተግብሩ ከም ዝጀምሩ፣ እዚ ርካሽ ተግባር’ዚ ድማ። ብግልፂ ይፍፀም ንዘሎ ፀረ ዴሞክራሲያውን ዓይኑ ዘውፀአ ምጥሓስ መሰልን። የዐርዩ ንፁር ይገብሮ፣
ንምጥቕላል።-  ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብቲ ኩሉ ሳዕ ዝመፃደቐሉን ንርኣይለይን ስሙዕለይን ጥራይ ኢሉ ዝዛረበሉ መረፃ። ገና ከይተኻየደ ስዒሩ ምህላው’ኳ ዝፈልጥ እንተኾነ። ንምምሳል ኢሉ ግን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ክብል። በቲ ሓደ ወገን መረፃ 2007 ዓ/ም ሕጋዊ፤ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ክኸውን ከም ዝኽእል እናመደረ፤ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ መንግስትን ካልእ ማሕበረሰብን ንኢህወደግ ክመርፅ ከም ዘለዎ ዘገድድ መፈራርሒ። ካብ ብሕዚኡ ኣትሒዙ ትእዛዝ ምውራዱ። ፍፁም ዴሞክራሲያዊ መረፃ ክኸውን ከም ዘይኽእል ግልፂ መርተዖ’ዩ፣
መላእ ህዝቢ እትዮጵያ። እዚ ብስርዓት ኢህወደግ  ዝካየድ ምስሉይ መረፃ። ንሃልኪ ፖለቲካ ተባሂሉ ዝዋዓዋዕ ዳንኬራ ምዃኑን ካብቶም ዝሓለፉ መረፃታት ዝተፈለየ ከም ዘይኸውን ተረዲእኻ ሕዚ’ውን ሓቀኛ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ከም ቀደምካ ኣንፃር ደመኛኻ ክትራባረብ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ተግባራት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብእስ እንበር ክማሓየሽ ኣይኽእልን!!