ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ነበርቲ
ጣብያ ትርካን ዝኾኑ መብራህቱ ሃይለን ታደሰ ዳርግሊን ዝተብሃሉ ወገናት ብ12 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ
ከም ዝተጨወዩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ዝተጨወዩ ዜጋታት ቤተሰቦም ኣበይ ከም ዝተኣሰሩ ስለ ዘይፈልጡ፤ ኣሕዋትና ተጨዉዮም
ይጠፍኡ ኣለዉ ክብሉ ክሳብ ዞባ ከይዶም ከም ዝጠርዑ ኣረዲኡ፣
እቶም ኣመሓደርቲ በቲ ዘሎ መረረት ህዝቢ ተቓዉሞ ንከይለዓል ስለ
ዝሰግኡ እቶም ዝተጨወዩ ናብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ክእሰሩ ከም ዝተገበረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ቤተሰቦም እንታይ
ጌሮም ተኣሲሮም ኢሎም ዋላ እኳ ሕቶ እንተቕረቡ ግቡእ መልሲ ከምዘይተውሃቦም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣ ነባሪ ህዝቢ ግን እዞም ሰባት ተኣሲሮም ዘለዉ ኣብ ኣኼባታት ዝዝረቡ
መዳናገርቲ ሓሳባት ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም ስለ ዝቃወሙ ብመንገዲ ረዳት ኢንስፔክተር ሓዱሽ ኣርኣያ ዝተብሃለ ተጨዉዮም ከም
ዝተወሰዱ ብሰፊሑ ይዛረቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ፣