ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ
ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ ሃገረሰላም ናይ ማእኸል ከተማ ኣስፓልቲ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ናይ ብርክት ዝበሉ ሰባት
ክፈርስ ዘይግብኦ ኣባይቲ ብትሑት ተመን ዋጋ ንክፈርስ ብምዉሳኖም፤ ህዝቢ እታ ከተማ ድማ ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወሞ ኣረዲኡ፣
ዝርዝር ሓሳባት ናይቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ ክፈርሱ ዘይግብኦም ናይ ገለ
ሰባት ኣባይቲ ንምንታይ ይፈርሱ?፤ ዝተተመነ ክፍሊት ካሕሳ ዋጋ ናይቲ ኣባይቲ ሚዛናዉነት የብሉን፤ ብቐንዱ ድማ ናይቶም
ኣባይቶም ክፈርስ ዝተብሃሉ ሰባት ተለዋጢ መሬት ዘይተዳለወሎም ብምዃኑ ወዘተ ዝብሉ ኮይኖም፤ በዚ ህዝባዉነት ዝጎደሎ ተግባር
ድማ እቶም ግዳያት ጥራሕ ዘይኮኑስ ሙሉእ ነባሪ እታ ከተማ ከም ዝተቓወሞ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣