Monday, November 3, 2014

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ካህናት ንኢድ ኣታዉነት ካድረታት እታ ከተማ ብምቅዋሞም ጥራሕ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ኣመልኪቶም፣




እቶም ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ካህናት  ብሓይሊ ንኽእከቡ ብካድረታት እቲ ገዛኢ ጉጅለ ይግደዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እቶም ካህናት ድማ መንግስቲ ስለ ምንታይ ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ይኣቱ ብምባል፤ ኣይንእከብን ዝበሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ፣

      ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ ብነበርቲ ከተማ ዓዲ ግራት ኣየድልዩናን ተባሂሎም   ካብ ሓላፍነቶም ክባረሩ ዝተወሰነሎም ጳጳስ ዝምልከት ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካድረታት እታ ከተማ ግን እቶም ጳጳስ ክባረሩ ስለ ዘይደለዩ ነቶም ካህናት ኣኪቦም ንኽጉስጉሱ ንኸእምኑን ዝዓለመ እኳ እንተነበረ እቶም ኣቅሽቲ ግን ከም ዘይተቐበልዎ ገሊፁ፣