Monday, November 3, 2014

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ኣብ ምሕደራ ንዘጋጥም ዘሎ ርኡይ ፀገም ብምቅዋሞም ዓንቀፍትን ልኡዃት ዓረናን እናተብሃሉ ይንቀፉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




    እዞም ነበርቲ ክቃወሙ ዘኽኣሎም ምኽንያት ከተማ ሓውዜን ተፀዋዕነታ ናብ ከተማ ስንቃጣ ንክኸውን ኣብዚ ቅንያት ብካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ዝቐረበሎም ሓሳብ፤ ከተማ ሓውዜን ቀዲማ ዝተመስረተት ማእኸል ስለ ዝኾነት    ኣይንቕበሎን ክብሉ ከም ዝነፀግዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብፍላይ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ነበርቲ ኣብ ዘቐረብዎ ተሪር ተቓውሞ ሓዉዜን ኣብ ትሕቲ ስንቃጣ ኮይና ትመሓደር ትብሉና ዘለኹም ሓዉዜን ንኸይትዓቢ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ እዩ እንትብሉ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣

  በዚ ተቓውሞ ህዝቢ ዝተደናገፁ መራሕቲ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ካድረታት ህወሓት-ማሌሊት፤ ነቶም ብግልፂ ቅኑዕ ሓሳብ ዘቕረቡ ነበርቲ ንስኹም  ደገፍቲ ውድብ ዓረናን ዓንቀፍትን ኢኹም፤ ብምባል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ዘፈራርሕዎም ምንጭታትና ካብቲ ከተማ ገሊፆም፣