ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከባቢ ዓዲ ኮኾብ ዝርከብ ናይ
ማእከላይ እዚ ቤት ማእሰርቲ፤ ብርክት ዝበሉ መኮንናት ዝርከብዎም ወተሃደራት እቲ ስርዓት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ካብ’ቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም
ዝሳቐዩ ካብ ዘለዉ መኮናንት ገለ ንምጥቃስ ሓለቓ ሚኢቲ ተስፋይ
ኣየነው ናይቲ እዚ ሓበሬታ ኣካብን ፀማቑን፤ ተስፋይ ወዲራያ ናይ’ቲ እዚ መኮነን እስታፍ፤ ሓደ ንጊዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ሻለቃ ዝማዓርጉ ተወላዲ ብሄር ኣምሓራን ካልኦትን ምዃኖም፤ ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም እሱራት ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ፍቓዱ ዳምጠው
ዝተብሃለ፤ ብ14 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ማይ ብጀሪካን
ኣሸኪሞም እናወሰድዎ እንከለው ክሃድም ፈቲኑ ብዝብል
ሰበብ ብጥይት ተኲሶም ከም ዝቐተልዎ ተፈሊጡ፣