ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወደግ እቲ ክጉይልሉን
ክሽቕጥሉን ዝወርሑ በዓል 11 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚልኒየም ኣደራሽ መዕፀዊ ከም ዝገበሩሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ሰበ
ስልጣን ንቡዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ፈጢርና ስእነት ስራሕ ኣወጊድና
ኢና ክብሉ ንዘቕረብዎ ሓሳብ ህዝቢ ይቃወሞ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
እቶም ካድረታት ሓድ ሓደ ሰባት ብምጥቃስ ናብ ስራሕ ከም ዝዋፈሩ እንትገልፁ
ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ድማ ኣባላትን ቤተሰብን ናይቶም ሰበስልጣን እንተዘይኮይኖም ካልእ ዜጋ ግን ስራሕ ስኢኑ መረረቱን ጥርዓኑን
የቕርብ እኳ እንተሃለወ ዛጊድ ግን ምላሽ ዝህብ ኣካል ክርከብ ከም ዘይክኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣