Sunday, March 15, 2015

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ህወሓት ወይ ኣባላት ተቓወምቲ ኩኑ መርገፂኹም ኣፍልጡ እናበሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣



ካብ ከተማ ኣዲስ ኣባባ ምንጭታትና ብዝላኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ 23 ለካቲት 2007 ዓ/ም ንተወለድቲ ትግራይ ናትና ወይ ድማ ደገፍቲ ተቓወምቲ ዉድባት ምዃንኩም ኣፍሊጡና ክንዋገአኩም ብምባል የፋራርሕዎም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ተወለድቲ ትግራይ ብህወሓት ተረጊፅና ድኣ እምበር ተረባሕቲ ኣይኮናን ብምባል ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ዉድባት ይስለፉ ብምህላዎም ንህወሓት ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣዉዲቕዎ ብምህላው ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
   ነዚ ጉዳይ ከተግብሩ መደብ ተዋሂብዎም ይሰርሑ ካብ ዘለዉ ሰባት ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ድህንነት ኣማኻሪ ፀጋይ በርሀን ኢሳያስ ወለጀወርጊስ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ኣባል ደህንነትን ካድረን ህወሓት-ኢህወዴግ ብምዃን ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ምብስባስ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፀሀና ሓበሬታ የመልክት፣