ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ኣብ ከተማ
ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ‘ለካቲት 12’ ቤት ትምህርቲ። መምህራርንን ካድረታትን ኢህወዴግ ብዛዕባ መረፃ ኣመልኪቶም ብ2 መጋቢት
2007 ዓ/ም ነቶም ተምሃሮ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክህቡ ኣብ ዝፈተንሉ። ንሕና ተምሃሮ እምበር ናይ ፖለቲካ ሰባት ኣይኮናን፥ ተማሂርና
ንባዕልናን ስድራናን ክንሕግዝ እዩ ድሌትና ንፖለቲካኹም ክትብሉ ካብ ትምህርትና ኣይተሰናኽሉና ክብሉ። ከም ዝተቓወሙ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዕግርግር
ስለ ዝተፈጥረ እቶም ተምሃሮ ንኸይወፁ ብኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተዓፀውን እቶም ተምሃሮ ብወገኖም መሳኹትን ማዕፆን እናሰበሩ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከም
ዝወፁ ተፈሊጡ፣