ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ብ3 መጋቢት
2007 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ዓረጃ ዝነብር
ህዝብና። ንዘጋጥሙና ዝተፈላለዩ ሽግራት ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓዉሞና ክንገልፅ ኢና ኢሎም ንዘቕረብዎ ሕቶ። ብምምሕዳር ወረዳን
ካድረታትን እቲ ስርዓት። ኣይነፍቅድን ዝብል መልሲ ዝተዉሃቦም እንትኸዉን። እቲ ህዝቢ ድማ ብኣፈሙዝ ብረት ተኣማሚንኩም ኣይነፍቅድን
እንተበልኩምና ንሕና ግን ሰልፊ ካብ ምግባርን ምቅዋምን ድሕር ኣይንብልን ዝብል ድምፅታት የስምዕ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ፣
በዚ ምልዕዓል እዚ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ዝወደቑ
ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ ሎሚ ዶ ፅባሕ ተቓዉሞ ይልዓል ብምባል። ነታ ከተማ ናይ ፀጥታ ሓይልታት ኣዋፊሮም ኣብ ጥቡቕ ሓለዋ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣