ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም
ብስእነት ፍትሒ ንሳቐ ኣለና ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓውሞ ኣብ ዘልዓልሉ። ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ነቲ ኩነታት ንምህዳእ
ኣብ ዝፈተንሉ ህዝቢ ግን ፀገም ተጋድዱ እምበር ፀገም ትፈትሑ ኣይኮንኩምን ስለ ዝበሎም። ነቲ ህዝቢ ካብ ፈዴራል ዝመፁ
ፀጋይ በርሀን ሮማን ገብረሰላሰን ብ7 መጋቢት 2007 ዓ.ም ዝኣከብዎ እንትኾኑ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ደመቀ መኮነንን
ኣርከበ ዕቑባይን ከም ዝኣከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብቲ ካብ ፌደራል ብዝመፁ መራሕቲ ዝተኻየደ ኣኼባ። ህዝቢ ካብ ዘቕረቦ
ሓሳብ። ንመሰረት ልምዓተ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ ብኣማሓደረቲ እዛ ከተማ ከም ዝተበልዐ ብመርትዖ ኣደጊፊና ዘቕረብናዮ
ክሲ ሰበ ስልጣን ክልል ኣብቲ ምጥፍፋእ ገንዘብ ኢድ ስለ ዘለዎም ቤት ፍርዲ ነፃ ሰዲድዎም፥ ብመሰረቱ ሰናይ ምሕደራ ይኹን ፍትሒ
ጠቕሊሉ ጠፊኡ፤ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ሌላን ጉሌላን ሱር ሰዲዱ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም ተደራርቡና። ብኣባይ ወልዱ ኣይንመሓደረን
ብምባል ብምረት ምግላፆም ተፈሊጡ፣
ካብ’ቶም ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ኣዉዒሎም ዝተብሃሉ ሓለፍቲ። ኣበራ ሃይለማርያም፤ መጎስ ካሲል፤ ወ/ሮ ርግበ ሃይለ፤ ዳንኤል መንግስቱን
ካልኦትን እንትኾኑ። እቲ ካብ ቤት ማዘጋጃ ዘጠፋፋእዎ ገንዘብ ገሊኦም
7 ሚልዮን ብር ዝበልዑ ገለ ድማ 10 ሚልዮን ብር ከም ዝበልዑ ተኸሲሶም ከብቅዑ። ብኢድ ኣታዉነት ኣባይ ወልዱ ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ
ከም ዝተለቁ ኣብቲ ኣኼባ ተገሊፁ ክብል እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ፣