Wednesday, March 25, 2015

ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ። መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣



ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ፍየል ዉሃ ዝዓዱ ከፍያለዉ ንጉሰ ዝተብሃለ ዕሱብ ፖሊስ  ስርዓት ኢህወዴግ። ብ7 መጋቢት 2007 ዓ/ም ካብ ሸረ ናብ ጎንደር ኣብ ዘሳግር ድልድል ተከዘ ተቐቲሉ ከም ዝሓደረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    እዚ ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት ዝዉሰድ ዘሎ ናይ ምቕታል ስጉምቲ። ነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ክፃወሮ ስለ ዘይከኣለ ጠሪዑ’ዉን ሰማዒ ብምስኣኑ ዝወስዶ ዘሎ ናይ መወዳእታ መማረፂ ምዃኑ ብዙሓት ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዘለዉ  ከብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣