Tuesday, March 10, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ዝርከቡ መምህራን ንመፃኢ መረፃ ዝምልከት በቲ ስርዓት ዝተገብረሎም ጎስጓስ ከም ዝተቓወምዎ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተፋላለዩ ጣብያታት ቁጭ 01፤ ዛልማን ኣለፋን ከምኡ’ዉን ሰንቶም ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ናይ ዉሽጢ ዉሽጢ መምሓላለፍቲ ማይን ብሓፈሻ ዝርግሐ መሰረተ ልምዓት ዘይምምልኦም ብተደጋጋሚ ህዝቢ ክሓተሎም ከም ዝፀንሐ ዝተገንዘቡ  መምህራን መፃኢ መረፃ ምኽንያት ብምግባር ንዝቐረበሎም ናይ ምረፁና ጎስጓስ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።
    እቶም መምህራን ካብ ዘልዓልዎም ሕቶታት ካብ ደብረ ማርቆስ ብቁጭን ኣየሁን ጌሩ ናብ ሱዳን ክሓልፍ እዩ ብዝብል ካብ 2002 ዓ/ም ጀሚሩ ብመንግስቲ ልዑል ገንዘብ ዝተመደበሉ መንገዲ ኣስፋልቲ ክግበረሉስ ይትረፍ እቲ ፅርግያ ክሳብ ሕዚ ኣይተጀመረን ስለዚ ኢህወደግ መረፃ ብዝመፀሉ ቁፅሪ ዝዛረቦ’ምበር ኣብ ተግባር ኣይሰርሓሉን ዝብል ንዝቐረበ ሓሳብ መራሒ  መድረኽ ዝነበረ ናይቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ሓላፊ ድማ ብርግፅ እዚ ትብልዎ ዘለኹ እፈልጦ እየ ዘይመስርሒኡ ንዓይ’ዉን ኣይተርድኣንን ኣነ ነዚ ክምልሶ ድማ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ ክብል ከም ዝመለሰሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።