Sunday, March 15, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ነበርቲ ከተማ ትክል ድንጋይ ኣንፃር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣



    ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ነበርቲ ትክል ድንጋይ ዝኾኑ ዜጋታትና ከጋጥሞም ዝፀንሐ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፍታሕ ንኽግበረሎም ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሎሚ ብፅባሕ  ሰማዒ እዝኒ ስለ ዝሰኣኑ ብ14 የካቲት 2007 ዓ/ም ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ፣
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ነበርቲ ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዘስምዕዎም ዝነበሩ ድምፅታት ብማይ ወለድ ሕማማት ህዝቢ ግዳይ ሞትን ስቅያትን ይኸውን ኣሎ፤ ኣብ ዝርገሐ ቤት ትምህርትን ሕክምናን እንተኾነ’ውን ኣብ ዘበን ደርጊ ዝተሰርሐ እንተዘይኮይኑ ዝተገብረ ለውጥን ብቕዓቱ ዝሓለወን ዝተማሓየሸን ዝተሰርሐ ሓድሽ የለን፤ ዝብሉን ካልኦትን  እናስምዑ ናብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ናብ ቻላቸው ኣምሃ ብምኻድ ሕቶኦም ከም ዘቕረቡን በዚ ተቓውሞ ህዝቢ ዝሰንበደ ከንቲባ እታ ከተማ ብወገኑ መሰረት ልምዓት ኣሎ እዩ ዝተረፈ እንተሎ ድማ ቀስ ኢልና ክንምልኦ ኢና ብምባል ነቲ ተቓውሞ ንምህዳእ ክብል ዘይትግበር ምላሽ ከም ዝመለሰሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣