Sunday, March 15, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀገዴ ዝርከቡ ምልሻ ብረቶም ይምንጠሉን ይቕተሉን ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ከባቢ ከተማ ዳንሻ ፍሉይ ሽሙ ሒላብ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ካሳ ረታ ዝተብሃለ ምስ 16 ብፆቱ ብሓባር ብምዃን ህዝቢ ዘበሳብሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ልዕሊ 12 ምልሻታት ብረቶም ከም ዝገፈፍዎምን ካብኣቶም ዕጥቅና ኣይንህብን  ንዝበሉ ምልሻ ኣስራት ኣለባቸውን ንኣባል ፖሊስ ዘወደ ኣሸብርን ብጥይት ወቒዖም  ከም ዝቐተልዎም ተፈሊጡ፣