ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዝተፈላለዩ
ከባብታት ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብዘይ እምነትናን ድሌትናን ላዕለዎት ጀነራላት እትደልዩዎ ክንመርፅ ኣይተገድዱና እቶም
ምረፅዎም እትብሉና ዘለኹም ሰባት‘ውን መንነቶምን እንታይነቶምን ኣይንፈልጦምን ስለዚ ድማ እዚ ናይ ሎሚ መረፃ ኣየድልየናን ኣይተገድዱና
ዝብሉ ተቓውሞታት የስምዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
እቲ ሕዚ
ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ዝረአ ዘሎ ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ትኽክለኛን እዋናውን ስጉምቲ ምዃኑ
ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ 2002 ዓ/ም ዝተኻየደ መረፃ ንምንታይ ንኢህወዴግ ዘይመረፅኩም ተባሂሎም ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ተባሪሮምን
ምኽንያታት እናተፈጠረ ብዙሓት ኣባላትና ተኣሲሮም እዮም ብምባል መረረቶም ከምዘስምዑ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣