ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብኣዴን ኢህወዴግ
ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ርክብ ኣለኩም እናተበሃሃሉ ባዕሎም ንባዕሎም ምትእምማን ስኢኖም ብምህላዎም በብግዚኡ
ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር ይገብሩ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተቐይሩ ዝመፀ ከንቲባ ከተማ ጎንደር ብ20 ለካቲት
2007 ዓ/ም ኣብቲ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንሽም ዴሞክራሲ ኣሎ ተዛረቡ እናበልኩም ድሕሪ ኣኼባ ድማ ብፀልማት ጨዊኹም እናወሰድኩም
ብዙሓት ሰባት ትኣስሩን ተጥፍኡን ኣለኹም ብምባል ህዝቢ እታ ከተማ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ እቶም ኣብ ኣኼባ ዝመሰሎም ሓሳብ ተዛሪቦም ሃለዋቶም ዘጥፋእኹሞም
ዝኣሰርኩሞምንም ሰባት ከይመፁ ዴሞክራሲ ኣሎ ክንብል ስለ ዘይንኽእል እቶም ዝወሰድኩሞም ሰባት ኣበይ ኣለው? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት
ከም ዘቕረቡ እንትኾነ ግን እቲ ከንቲባ ዝምልሶ ሓሳብ ስኢኑ ዘይእመን ምኽኒታት ከቕርብ ከም ዝፈተነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣