Sunday, March 15, 2015

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ህዝቢ ዓመፅ ንኸልዕል ተልዓዕሉ ኣለኹም ብምባል ብፌደራል ፖሊስ ኢህወዴግ ተጨዉዮም ይእሰሩ ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



     ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ተምሃሮ  መረፃና ንምትዕንቓፍ ህዝቢ ናዕቢ ንኸልዕል ክትንቀሳቐሱ ፀኒሕኹም ብዝብል ብመጋበሪያ ናይ ዓፋናይ ጉጅለ ኢህወደግ ፌደራል ፖሊስ ተጨዉዮም ይእሰሩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ዝተኣስሩ እቶም ክልተ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ሕጊ ተማሃሮ እንትኾኑ እቶም ሰለስተ ድማ ናይ ጂኦግራፊ ተማሃሮ ምዃኖም ተፈሊጡ፣
    እዞም ተማሃሮ ወገናትና ኣበይ ከም ዝተኣኣስሩ ብልክዕ ከም ዘይፍለጥን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ መምህራንን ተማሃሮን ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣