ኣብ ሕሉፍ ስርዓታት ገዛእቲ ሃገርና ንመሰል ደቂ ኣነስትዮ ዝገልፅ ኣብ
ሕገ-መንግስቲ ዘስፈርዎ ቃል ካብተራ ፅሑፍ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ክግለፅ ዘይኽእል ናይ ወረቐት ልሳን ጥራይ ምንባሩ ንዝኾነ ታሪኽ
ሃገርና ዝፈልጥ ዜጋ ንፁር’ዩ።
ኣብ እዋን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፋላይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ
ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ንወፅዓታት ደቂ አነስትዮ መሰረት ገይሮም ዝተገልፁ ሓቅታት መበገሲኦም ተመሳሳሊ’ዩ። ንሱ’ውን ብሰንኪ
ገዛእቲ ዝበፅሕ ዝነበረን ዘሎን ድርብ ወፅዓ እንተዘይተኣልዩ ፍርቂ ናይ’ቲ ሕብረተሰብና ሓይልን ዓቕምን ዘይ ምጥቃም ስለ ዝኸውን
ኣብ ኩለመዳይ ስራሓትና ፅልዋን ድሩትነትን ከምፃኣ ግድን’ዩ ዝብልን ካልእን እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ታሪኻዊ ጀግንነት እንትንዝክር
ብዙሃት ዘኹርዑ ፍፃመታት ንምጥቃስ ይካአል’ዩ። ዓቕሚ ጓል ኣነስተይቲ
በቶም ሕሉፋት ስርዓታት እንትግለፅ ካብ ናይ ውሻጠ ስራሕን ምእላይ ቆልዓን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ክተምፅእ ከም ዘይትኽእል
ዘመላኽት ኣረኣእያ እኳ እንተነበረ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ንስርዓት ደርግ ንምእላይ ኣብ ዝተገብረ ናይ 17 ዓመት መሪር
ብረታዊ ቃልሲ ኣስተዋፃኦን ተኽእሎን ናይዘን ጀጋኑ ብግልፂ ዘጉልሕ ታሪካዊ ምዕራፍ ተከሲቱ’ዩ።
እዘን ብቑፅሪ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ፀረ ስርዓት ደርጊ ዝኳሻሕ ዝነበረ ተጋዳላይ
ኣስታት ርብዒ ዝኾና ኣብ መስርዕ ገድሊ ዝነበራ ሃርበኛታት ዘለዎን ተፈጥሮእዊ ፀገማት በዲሀን ብህልኽን ትብዓትን ልዕሊ ዓቕመን
ተቃሊሰን ነቲ ዝነበረ ፀላኢ ኣቃቢፀነኦ እየን፣ እንተኾ ግን ሒዘነኦ ዝተበገሳ ዕላማን ራእን ብስንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ
ህወሓት-ኢህወደግ በርዒኑ ክተርፍ ክኢሉ’ዩ።
ወያነ ኢህወደግ ካብ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ማዕርነት ደቂ አነስትዮ
ዝነበሮ እምነት ይኹን ተግባራዊ ምንቅስቓስ ካብቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ
ዝፍለ ኣይነበረን። ኣብ ከባቢ 1979 ዓ/ም ኣብቲ ቃልሲ ንዝነበራ ጠርነፍቲ ደቂ ኣነስትዮ ልዕልነት ተንፀባርቓ ኢኽን
ተባሂለን እንትግምገማ ድሒሩ ድማ ኣብ 1980 ዓ/ም ካልአይ ኮንፈረንስ ክገብራ ብመሰረት ዝቐረበለን መምርሒ ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣንስታይነት/ፊመንስት/
ኣረኣእያ ነይርዎን ብዝብል መሰረት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቃል ናይ ቃልሲ ወኒአን ክስለብን ክዳከምን ተገይሩ’ዩ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበረን ቁፅሪ ተሳትፎን እጃምን ግምት
ብዘየእቱ መንገዲ ብሰንኪ ካብ ቀዳሞት ኣያታቶም ዝወረስዎ ድሑር ባህልን ኣረኣእያን ፖለቲካዊ ዓቕመን ካብቲ እዋን ዝነበረ ኣመራርሓ
ዘይንእሳ እኳ እንተነበራ ቀፃሊ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጉባኤታት ግን ንመሪሕነት ዝሕፀያ ዳርጋ ኣይነበራን ክበሃል ይከኣል።
መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ድሕሪ ስልጣን ምቁፅፃሮም’ውን
እንተኾነ በቢ ሓሙሽተ ዓመቱ ኣብዘካይድዎ ስማዊ መረፃ ንደቀንስትዮ ንቕድሚት ንምምፃእን ናይ መሪሕነት ተሳትፎአን ንምርግጋፅ ዝግበር
ምንቅስቃስ እንተርኢና’ውን ንማዕርነት ደቂ ኣነስትዮ ኣመልኪቶም ካብ ዝዛረብዎ ናይ ይምሰል ዲስኩር ዝዘለለ ብተግባር ዝግለፅ ንማዕርነት
ደቂ ኣነስትዮ ዘረጋግፅ መስመር እንትኸተሉ ኣየተርአዩን።
እቲ ምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ኢትዮጵያ
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፤ኣብ ቤት ትምህርቲታት፤ ኮታስ ኣብ ዕለታዊ ስራሕተን ብፆተአን ንዘጋጥመን ከቢድን ቀሊልን ሓደጋታት ኣብ ስልጣን
ብዘሎ መንግስቲ ዝእዘዝ ናፅነት ዘይብሉ ትካል ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ በደል ዝፈፀሙ ሰባት ግቡእ ቅፅዓት ዘይምሃቡ
እተን ኣዴታትና፤ ኣሓትናን ኣንስትናን ኮታስ መሰረት ሕብረተሰብ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ናይ ፍትሒ ከለላ ብዘይ ምርካበን ኣብ
ውሽጢ ሃገረን ይኹን ኣብ ስደት ሰባኣዊ ክብረን ክሕሎ ኣይከኣለን።
ንምጥቕላል መራሕቲ ወያነ ኢህወደግ ናይ ህዝብታት
ዴሞክራሲያዊ መሰል ዓፊኖም ኣብ ዝሓዝሉ ኣብ ዝሕዚ እዋን ብፍሉይ ማዕርነት ደቂ ኣነስትዮ ክኽበር ይኽእል’ዩ ኢልካ ምፅባይ ዘይሕሰብ
ስለዝኾነ ነዚ ፀረ ማዕርነትን ሓድነትን ዝኾነ ስርዓት ኣሊና ብተግባር ዝግለፅ ስርዓተ ዴሞክራሲ ንምርግጋፅ ብፍላይ ደቂ ኣነስትዮ
ሃገርና ናይ ሕሉፋት ጀጋኑ ኣሕዋተን ኣሰር ተኸቲለን ምእንተ ምኽባር መሰለን ኣብ ጎኒ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/
ተሰሊፈን ክቃለሳ ይግባእ።