Sunday, March 8, 2015

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ጣብያ መዝብር ህዝቢ ኣኪቦም መቐሎ መሬት ንኽገብሩ ዘቕረብዎ ሓሳብ ብነበርቲ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰርት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣማሓደርቲ ጣብያ መዝብር ብ24 የካቲት 2007 ዓ/ም  ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣኪቦም ሓዱሽ መሬት  መቐሎ ክገብሩ ምዃኖም  ሓሳብ ኣብ ዘቕረብሉ ግዜ “ጉቡእ መፅናዕቲ ከይተገብረን ህዝቢ ዘይተቐበሎን መቐሎ መሬት ኣይትገብሩን ብምባል ህዝቢ እቲ ከባቢ ከም ዝተቓወሞም ተፈሊጡ።
    ብተቓውሞ ህዝቢ ዝተናደደ ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ጉዑሽ ምስግና ድማ ፍተዉ ፅልኡ እቲ መሬት ክንመቕሎ ኢና ምኽንያቱ ኣብ ኢድ ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ዘሎ መሬት ዝተመጣጠነ ኣይኮነን ብምባል ብሃይማኖት ኣሳቢቡ  ህዝቢ ንኸባእስ ፈቲኑ እኳ እንተነበረ ተኸባቢሩ ኣብ ፅቡቕን ሕማቕን እናተሓጋገዘ ንዘመናት እናተወራረሰ ዝመፀ  ህዝቢ ስለ ዝነቕሓሉ እቲ  ፊሕስዎ ዝነበረ ውዲት ከም ዝፈሸሎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
        ኣብ መወዳእታ እቲ ህዝቢ  በቲ ኣማሓዳሪ ዝካየድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ፍታሕ ንኽግበረሉ ካብ ክልቲኡ ሃይማኖት ዝተውፃፅኡ ወገናት ናብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ እቲ ወረዳ ብምኻድ ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።