Wednesday, March 25, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ማይ ጋባ ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዕለታዊ ስርሖም ንዝንቀሳቐሱ ሰባት። ናይ ተቓወምቲ ልኡዃት ኢኹም ዝሓባእኹሞ ብረት ኣለኩም እናበሉ የጋፍዕዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ማይ ጋባ ዝርከቡ  ናይ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ዕሱባት ዝኾኑ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ። ብጉልበቶም ሰርሖም መነባብርኦም ንምምራሕ ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐሱ ዜጋታት። ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ዝተለኣኹም ኢኩም፤ ኣብ በረኻ ዝሓባእኹሞ ብረት ኣለኩም ኣረክቡና እናበሉ። ብ1 መጋቢት 2007 ዓ.ም ብርክት ዝበሉ ንፅሃት ሰባት ብገመድ ኣሲሮም ብሕሱም ክገርፍዎም ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ። እቶም ዝኾነ በደል ዘይብሎም ብሕሱም ዝተገረፉ ወገናት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ። ብፍላይ ኣብ ወርቂ ምእራይ ዝነበሩ 6 ሰባት ብበትሪ ተደብዲቦም ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም እንትኾን። ካብዚም ሓደ ሓዱሽ ታፈረ ዝተብሃል ተወላዲ ኣስገደ ፅምብላ በቲ መግረፍቲ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣