ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝነብር ህዝብና ናብ ከተማ ጎንደር ከይኸድ ተኣጊዱ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ድማ ኣብ ጣብያ ዓዲ ሕርዲ ፍሉይ ቦታ ሻሕሽም
ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ መናእሰይ። ናብ ከተማ ጎንደር ትመላለሱ ዘለኹም ካብ ተቓወምቲ እናተለአኽኩም ህዝቢ ተለዓዕሉን ወረቐት ትብትኑን ኢኹም ተባሂሎም ብ3 መጋቢት
2007 ዓ.ም ብፖሊስ እታ ወረዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝርከቡ የረድእ፣
ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ፋንታይ ረታን ይግዛዉ ረዘነን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ድሕሪ ምጥቃስ። እዞም
ዝተኣሰሩ መናእሰይ ካብ ቃፍታ ሑመራ ናብ ጎንደር ምኻድ ኣየእስረናን፥ እቲ ትብሉና ዘለኹም ሓሶት እዩ፣ ብመሰረቱ‘ዉን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ
ዜጋ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ ካብን ናብን ክንቀሳቐስን ምስ ሰባት ክራኸብን መሰሉ ምዃኑ ኢና ንፈልጥ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ
ሕጋዉነት ዘይብሉ ተግባር ፍታሕ ይገብረሉ ብምባል ኣብ ምጥራዕ እኳ እንተሃለዉ ዛጊድ ሰማዒ ኣካል ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ፣