Thursday, March 19, 2015

ንስውኣት ከም ጉልባብ ተጠቒምካ ንመረፃ ምድላው ታሪኻዊ ስሕተት እዩ፣



    ስርዓት ወያነ ኢወደግ። ናይ ህዝቢ ፍቓድን ተኣማንነትን ክሳብ ዘይረኸበ። ዕምሩ ቀፃልነት ንኽህሉዎ መወዳእታ ዘይብሎም ዝተጋነኑ ናይ ሓሰት ድራማታት ክረአዩ ብምግባር። ህዝቢ ከደናግር ምፍታኑ ብዙሕ ዘገርም አይኮነን፣
      ሰበስልጣን ኢህወደግ ሕድሪ ሰማእታትን ህዝብን ንጎኒ ብምጉሳይ ዝሓዝዎ ስልጣኖም ተጠቒሞም። ውልቃዊ ሃፍቲ ኣብ ምኽዕባት ጥሒሎም። ስድሪ ትኸውን ኣብ ናብራ ህዝቢ ለውጢ ዘየምፅኡ ምዃኖም እናፈለጡ። ኣብ ድሮ መረፃ ሓያሎ ከም ዝሰጎምን ንቕድሚት’ውን ብዙሕ ከም ዝሰረሑን ዝተፈላለዩ መብፅዓታት እንትአትው ንዕዘቦም አለና፣
    ዕቑር ናይ ሃፍቲ ተፈጥሮ  በዓልቲ ፀጋ ዝኾነት ሃገርና ኢትዮጵያ። ሰኣን ሰላምን ቁንዕ ምሕደራን ኩሉ ሻዕ ኣብ ሓምለዋይ ድኽነት ተርታ ሒዛ ክትፅዋዕን መራሕታ ኣብ ግዕዝና ዝጠሓሉን ኣብ ምዕፋን ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ዝተዋፈሩን ብምዃኖም። ቀፃሊ ኣብ ናይ ድኽነት መስመር እናተሰርዐት ፀኒሓን ኣላን፣ ብሓፈሻ ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ውሕዳት ከም ድልየቶም ዝዕንድሩላ። ቡዙሓት ድማ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ተዋሒጦም። ዝሳቐዩላ ሃገር ኮይና ትርከብ፣
    ሎሚ! መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ቅድሚ 24 ዓመት ዝፈፀምዎ ክሕደት። ሎሚ’ውን ከም ልማዶም ቃልሲ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኹሉ ኩርናዓት ተባሪዑ ኣብ ዘለሉ እዋን። ተሰናቢዶም። ሕጂ ስም ጀጋኑ ሰማእታት ተጠቒሞም ንመረፃ ክጉስጉሱ ምፍታኖም ኣዝዩ ዘሐፍር ሕሱር ተግባር’ዩ፣
    ወርሒ ለካቲት ኣብ ቃልሲ ሕሉፍ ህዝቢ ትግራይ። ፉሉይ ቅያን ጅግንነት ዘለዋን። ካብ ሕልና ህዝቢ ዘይሃሱ ፍፃመታት ከም ዘለዋ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፣
    እንተኾነ እዞም ብናይ ህዝቢ ቃልሲ ተበሊፆም ናብ ስልጣን ዝዎፁ ውሑዳት መራሕቲ። ነታ ሓደ ይኣክል ከይበለት ኣብ ክንዲ ብርሃን ደቃ ክትርኢ ምህንጣው። ዕልልታ እናስመዐት 3 4 ደቃ ናብ ገድሊ ዘሰለፈት ወላዲት ጅግና። ብፍረ መስዋእቲ ደቃ ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ክንዲ ክትርበሃሉ። ብግልባጡ “ንዋሃቢ ፀባ ዶ ይኸልእዎ ማይጨባ” ኮይኑዋ ክትጉህን ማሕዘላ ገልቢጣ ናይ ወላድ መኻን ክትኸውንን ፈሪዶማ እዮም፣
    ብሓዘንን ጓህን መሬት እናቖስቆሱ ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑ ወለዲ ስውኣት የለውን ድዮም? ወረ ዘይሰደደ ከም ዘየለ ሕሰብዎ ተባሂሉ ዝተረደአ ስድራ አይነበረን ድዩ? ካብ ቡሱል ጥረ ንዝተረፉ ተጋደልቲ ብዘይ ዓስቢ ናብታ ብዂናትን ድርቅን ዝባደመት መሬትን ስድርኡን ኣይተፋነዉን ድዮም? ብሰንኪ ኲናት ሓፀልፀል ዝበላ ኣካላቶም ከም ድልየቶም ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ዘይኽእሉ ተጋደልቲ። ናብ ዓሳውን ጣሻን በረኻታት ዳንሻ ብዘይ ገለ ደገፍ ከም ዘይደርበይዎም። መራሕቲ ህወሓት ኣብ ሕዚ በፂሖም ንብዓት ሓርገፅ ምንበዖም። ኣብ ምንታይ ይቑፀር?
  ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዞም በደላት እዚኦም ይዝክሮም’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ሳብ ካብልቡ ዘይሃሱ ተዘኩሮታት’ዮም፣ እንተ ተግባር ካድረታት ወያነ-ኢህወዴግ ግን መስዋእትን ስንክልና ጀጋኑና ተበሊፆም ዕድሚኦም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ዘለው ሃለውለው ግን። “ዓመለኛስያ ካብ ሬሳውን መግነዝ ኣይገድፍን” ከም ዝበሃል። ንሰማኣታትና ከም ሽፋን ተጠቒሞም ንመረፃ መጎስጎሲ ክገብርዎ ምፍታኖም ታሪኻዊ ስሕተት ካብ ምዃን ሓሊፉ። ካብ ባህሪኦም ወፃኢ መኽበርቲ ሰማእታትን ህዝብን ክኾኑ ኣይኽእሉን፣