ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ኩሎም ከባቢታት
ዝርከቡ ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት በብመዝነቶም ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ተፀሚዶም ምህላዎም ድሕሪ
ምግላፅ። ብፍላይ ድማ ካብ ኮሎኔል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም ሓለፍቲ
እቲ ሰራዊት። ን8ተ መዓልቲ እንትእከቡ ኩሉ ሰራዊት ድማ ን4ተ መዓልቲ ዝኣክል ወጥርን ዘይምርድዳእን ዝዓሰሎ ኣኼባ ከም ዘካየዱ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ካብቶም ኣብቲ
ኣኼባ ዝተልዓሉ መዘራረቢ ኣጀንዳታት ድማ ሰራዊት ንምንታይ
ካብ ኣሃዱኡ ይኸድዕ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝረኣዩ ፀገማት፤ ኣብ ምምሕዳር ዝረኣዩ ጎደሎታት ከምኡ’ውን ናይ ፀላኢ ኩነታትን ካልእን ዝምልከት ከም ዝነበረን። እቶም ዝተልዓሉ ነጥብታት
መብዛሕተኦም ብዝምልከቶ ስለ ዘይተመለሱ ካብ ኮሎኔል ንላዕሊ ን3ይ ግዜ ተመሊሶም ክእከቡ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝበፀሐና
ሓበሬታ የመልክት፣