ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ዞባታትን ወረዳታትን ብፍቓድ እቲ ስርዓት ናይ ወልቀ ዕጥቂ ዝሓዙን ብረት ዝተዓደሎምን ሰባት ብ22 መጋቢት 2007 ዓ/ም ዝዓጠቕዎ ብረት
ከመዝግቡ ሓዱሽ መምርሒ ካብ ክልል ከም ዝወረደ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ
ምኽንያት ድማ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም
ተቐባልነተ መሬት ዘቢጡ ብህዝቢ ስጉምቲ ይዉሰደሎም ብምህላዉ ዝፈጠሮ ስግኣት ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣምሓደርቲ እቲ ክልል ብፍላይ ክልዓል ዝኽእል ህዝብዊ
ዓመፅ እናስገኦም ይኸይድ ሰለ ዘሎ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ መንበሪ ገዛ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ይፍተሽ ብምህላዉ ብሰንኩ ድማ
ህዝቢ ዉሕስና ስኢኑ ዕለታዊ ስርሑ ከሰላስል ከም ዘይከኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ አመልኪት፣