ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ
ጎንደር ፍሉይ ሽሙ ይፍል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ከቢኔ ብአዴን-ኢህወዴግ ዝኾኑ ቁምላቸውን ዳኘ ኣይድፈርን መነንቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብ18 መጋቢት 2007 ዓ/ም ሰዓት 3።30 ናይ ምሸት ኣብ ልዕልኦም
ጥይት ብምትኳስ ናይ ቅንፀላ ፈተነ ከም ዝተገበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እዚ ኣብ ልዕሊ ግፍዐኛታት ዕሱባት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝወሰድ ዘሎ ናይ
መቕተልቲ ስጉምቲ። ኣብ ከባቢ ጎንደር ጥራሕ ዘይኮነሰ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣካል ህዝባዊ ዓመፅ ምዃኑ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት፣