ኣብ
ዝተፈላለዩ ከተማታት ሃገርና ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ። ጉጅለ መርሕነት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝኽተልዎ ዘለዉ ጥሕሰት ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን
መሰላት፤ ክራይ ኣካብነትን ስእነት ስራሕን ሕፅረት ሃለኽቲ ነገራትን ዝኣምሰሉ ሕቶታት ህዝቢ። እቲ መንግስቲ ካብ ኣፍ ዝሓልፍ ተግባራዊ
ምላሽ ይህበሉ ብዘይ ምህላዉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቲ ህዝቢ ተፋጢጡ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
እቲ
ስርዓት መፃኢ ወርሒ ግንቦት ምስ ዝካየድ ሃገራዉን ክልላውን ምስሉይ መረፃ ተኸቲሉ በቲ ህዝቢ ንዝልዓል ህዝባዊ ናዕቢ ንምዕፋን።
ብፍላይ ድማ ኣብተን ብበዝሒ ህዝቢ ዝነብረለን ከተማታት ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ፌደራል ፖሊስን ክልላዊ ፖሊስን ኣዋፊሩ ኣብ ፅንኩር
ሓለዋ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣