ኣብ ወረዳ ደጋ-ዳሞት ከተማ ፈረስ-ቤት ካብ
1997 ክሳብ 2007 ዓ/ም ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝፈፀሞ ግፍዕን ጭቆናን ብግልፂ እናውፅኡ ንህዝቢ ዘምህሩ ተቓወምቲ ኮይኖም
ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ። ካብ ስርሖም ምፍንቓል፤ ገዝኦምን ንብረቶምን ምውራስን ምእሳርን ዝኣመሰሉ ግፍዕታት
እናበፅሖም ከም ዝመፀ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ መሰል ኣድማሴ ዝተብሃለ መንእሰይ ንተቓወምቲ ውድባት ገዛኻ
ኣካሪኻ ብዝብል ተኣሲሩ ክሳቐ ከም ዝቐነየ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣
ብተመሳሳሊ ኣባል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዝነበረ ኣብ ከተማ ባህርዳር ላዕለዋይ
ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣቶ ጥላሁን ኣበበ ንወዱ መምህር ተስፋየ ጥላሁን እንተኾነ’ውን ኣብ ዘምህሮን ቤተሰቡ ኣብ ዝነብሩሉን
ኣከባቢ። ተለኣኣኽቲ ናይቲ ስርዓት ብተደጋጋሚ እናተኸታተሉ ይርብሽዎም ከም ዘለው እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣