ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብቲ ክልል ኣብ
ዝርከቡ ዞባታት እናተኻየደ ዘሎ ናይ 6ተ ወርሒ ኣጠቓላሊ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕርሻ ዝምልከት። ኣመሓደርቲ ዞባን ሓለፍቲ ሕርሻን ዝመርሕዎ መድረኽ ገምጋም። ካብ 21 ክሳብ
29 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንተኸታተልቲ 8ተ መዓልቲ ዝተኻየደ እንትኾን። ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተልዓሉ ዝርዝር
ሓሳባት ድማ። ናይቲ ክልል ገጠር ከባብታት ክስርሑ ዝግበኦም ወቕታዊ ስራሕቲ ትልምን ኣፈፃፅማን እንታይ ይመስል?፤ ክነማልኦ ዝግበአና
ኸ ኣማሊእናዶ?፤ ካልኦትን ዝብሉ እንትኾኑ። መብዛሕትኦም እቶም ተኣከብቲ ሰራሕተኛታት ሕማቕ ኣሰራርሓ ናይቲ ስርዓት ዘንፀባርቑ
ህልውን ሓቀኛን ህዝባዊ ሕቶታት ከም ዘልዓሉ ኣረዲኡ፣
ካብቶም በብዞብኡ ዝተልዓሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት፦ ኣብቲ ዓመታዊ ባጀት ፀዲቖም
ምስ ቅያር ንብረቶም ዝተገዝኡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ናይ ሰብ ሞያ ተሽከርከርቲ ማለት ሞተር ሳይክልን ብስክሌትን ንምንታይ ዘይተዓደሉ?፤
ናይቶም ሰራሕተኛታት ጥቕማ ጥቕሚ ከም ዘይተኸበሩ፤ ናይ ዲግሪን ናይ መመሓየሺ ትምህርትን ብዝምድናን ብጉቦን ክለኣኹ ምግባር፤ ናይ
ሙቐትን ናይ ዛሕልን ኣከባብታት ክዳውንቲ ንሰብ ሞያ ዘይምሃብ ከምዘሎ ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ብክእለት ትሑታት ዝኾኑ ኣብቲ ሞያ ኣፍልጦ ዘይብሎም ውልቀ ሰባት
ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክቕመጡ ምግባር ከምኡ‘ውን ሞዴል ገባር ንዝተብሃለ ትራክተር፤ ናይ ፀባ ማሽን፤ ናይ መዓር መፃረዪን ናይ
ጀነሬተር ኣቕርቦትን ንናይ ስልጠና ማእኸል ዘይምቕራቦምን ዝብሉ ሕቶታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ። ገለ ሰብ ሞያ ንቕድሚት ኣብ ስርሖም
ከም ዘይቕፅሉ ከም ዝተዛረቡ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም፣