ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ። ኣብ እንጦጦ
ኣምባ ብልምዲ ኣምሃ ደስታ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ትምህርቲ ን9ይን 10ይን ክፍሊ ዘምህሩ
መምህራን። ብተደጋጋሚ ንግድብ ህዳሴ ተባሂሉ ነዋፅኦ ዘለና ገንዘብ ብኣመራርሓ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ይብላዕ ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾኑ።
ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር መሓሪ ገብረህይወት ምስ ናይቲ ወረዳ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዉዳበ ብሓባር ብምዃን። ኣብ ዉልቃዊ
ጥቕሞም ከም ዘዉዓልዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
ካብቶም ዘዋፃእናዮ ገንዘብና ብኣመራርሓ ተበሊዑ ዝበሉ መምህራን ወገናት
ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ኣቡነዉ ናይ ታሪኽ መምህር፤ ተክሉ ካሳ ናይ ጂኦግራፊ መምህር፦ በላይ ሰብስቤ ናይ ፊዚክስ መምህር ከምኡ‘ዉን
መልሰዉ ታፈረ፤ ላዋየዉ ነጋን ዘመኑን ዝተብሃሉ መምህራን መረረቶም ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣