Monday, April 20, 2015

ኣብ ክልል ዓፋር ዝወፅእ ዘሎ ማዕድን ፖታሽየም ሰበ ስልጣን ፌደራል ምስ ናይቲ ክልል ሓለፍቲ ብምምሽጣር ንህዝብን ሃገርን ብዘይረብሕ ኣገባብ ብላዕ ንዝሃብዎም ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ከም ዘረክብዎ ተሓቢሩ፣



     ብመሰረታ ሓበሬታ ምጭታትና ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ዳሉል  ዝወፅእ ዘሎ ማዕድን ፖታሽየም ሰበ ስልጣን ፌደራልን ናይ ክልል ዓፋር ኣመሓዳሪ እስማዒል ዓሊ ሰሮን ናይ ወረዳ በራሕለ ኣመሓዳሪ ማሓሙዳ ኢብራሂምን ብሓባር ብምዃን። ጉቦ ንዝሃበቶም ዘውዱ ዝተብሃለት በዓልቲ ሃፍቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዕቑር ሃፍቲ ፖታሽየም እናዉፀአት ክትሸይጥ ፍቓድ ከም ዝሃብዋ ተፈሊጡ፣
     እታ በዓልቲ ሃፍቲ ካብ ፌደራል ጀሚራ ክሳብ እቲ ክልል ብጠቕላላ ልዕሊ 30 ሚልዮን ዝኣክል ገንዘብ ጉቦ ከም ዝኸፈለት ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ድማ እቶም ናይ ፌደራል ሓለፍቲ ከም ዝተቐበልዎ ተሓቢሩ፣
    በዚ ምኽንያት ድማ ነባሪ ህዝቢ ክልል ዓፋር ሃፍትና ንዓና ብዘየርብሕ መንገዲ ይውረር ኣሎ ብምባል። ሓሳቡ ይገልፅ ‘ኳ እንተሃለወ እቶም ጉቦ ዝተቐበሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይ’ቲ ክልል ኣብ ልዕሊ እዛ በዓልቲ ሃፍቲ ዝኾነ ዕንቅፋት ንዝገበረ ጉጅለ ይኹን ዉልቀ ሰብ ስጉምቲ ክንወስደሉ ኢና እናበሉ ነቲ ህዝቢ የፈራርሕዎ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ፣