ብመሰረት እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣብ ዞባታት ዋግ ኽምራን ኣዊን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ፖሊስ ኣብያተ ፅሕፈት ብዝተፈላለየ
ደረጃ ተመዲበን ዝሰርሓ ፖላዊስ ደቂ ኣነስትዮ ከቕርብኦ ንዝፀንሓ ናይ ዕብየትን ናይ ጥቕማ ጥቕሚ ሕቶታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ
ዝሰርሓሉ ቦታ እናሰራሓ ክምልሱለን ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ክንድኡ ናብ ደቡብ ሱዳን ብሽም ዓቀብቲ ሰላም ይልእኹወን ከም ምህላዎም ካብቲ
ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ
ወረዳ ጉባ ብናይ ህዝቢ ምትሕብባር ዝስራሕ ዘሎ ናይ ህዳሴ ግድብ ከባቢ ባምዛን ናይ ሱዳን ግዝኣት ኣብ ዝኾነት ኩምሩክን ኣብ ዝተብሃሉ ከተማታት ምስ ዝሰፈሩ
ናይ ኢትዮጵያ ዓቀብቲ ሰላም ተባሂሎም ምስ ዝተለኣኹ ተፀቢረን ክሰርሓ ጀሚረን ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።