Sunday, May 17, 2015

ኣብ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ ናይ መረፃ ጎስጓስ ከም ዝተቓወምዎ ምንጭታት ገሊፆም።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላምን ከባቢኡን ናይ ዝርከቡ ጠቕላላ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብናይ’ቲ ዞባ ዋና ኣመሓዳሪ ኣይተ ዘለቀ ኣንሉ ንኢህወዴግ ምረፁ ዝብል ጎስጓስ ዝተኻየደ እንትኾን እቶም ሰራሕተኛታት ዝሃብዎ ናይ ተቓውሞ ምላሽ ንብዙሓት ካድረታትን ኣማሓደርትን ከም ዘቖጠዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ኣብ ቀበሌ 01 ኣብ ዝርከብ ጃቢ ጠህናን ኣዳራሽ ዝተኻየደ ጎስጓስ፤ ሰራሕተኛታት ብምልኦም ብግዴታ ክሳተፉ ስለ ዝተገብረ ነቲ ዝተገበረ ናይ ምረፁና ጎስጓስ ከም ዝተቓወምዎ ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ብሰራሕተኛታት ዝቐርቡ ናይ ተቓውሞ ሓሳባት ሽኮርን ዘይትን  ንኣባላትን ንደገፍት ኢህወደግ ጥራሕ እዩ ዝሽየጥ፤ ኣብዚ ከተማ ብዘይ ኣግባብ ዝእሰሩ  ዘለዉ ንፁሃት ዜጋታት መርኣያ ፀገም ሰናይ ምሕደራ’ዩ፤ ኣብ’ዛ ከተማ ብዙሓት ሕፅረት መሰረት ልምዓት ኣሎ፦ ስለ ዝኾነ ለወጢ ንደሊ  ኣለና ዝብሉ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 26 ሚያዝያ 2007ዓ/ም ጀሚሩ ኣብዚ ዞባ ናይ መብራህቲ ምቁርራፅ ፀገም ካብቲ ዝሓለፈ ብዝኸፍአ መልክዑ የጋጥም ሰለ ዘሎ ዝምልከቶም ኣካላት እንተኾኑ’ውን ፍታሕ ክገብሩሉ ስለ ዘይከኣሉ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ትካላት ንኽሳራ ይቃልዑ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።