Sunday, May 17, 2015

ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ናይ መኪና መንጃ ፍቓድ ንምዉፃእ ኣብ ዉልቀ መሰልጠኒ ማእኸላት ክስልጥኑ ዝፀንሑ ወገናት ንፈተና መእተዊ ጉቦ ይጥየቑ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



   ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ዝርከቡ ናይ ተሽከርከርቲ መሰልጠኒ ማእኸላት ንብርክት ዝበሉ እዋናት ክስልጥኑ ዝፀንሑ ናይ ምምራሕ መኪና ተምሃሮ ስልጠንኦም ወዲኦም መምርሒ ወረቐት ክወሃቦም ንመግስቲ ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ካድረታት እቲ ገዛኢ ስርዓት ምስ ፖሊስ ትራፊክ ብምዃን ብቕዓት ወረቐት ክወሃበኩም እንተደሊኹም ነብሲ ወከፍኩም ካብ 2 ሽሕ ብር ንላዕሊ ክትከፍሉ ኣለኩም ዝብል መልእኽቲ ብሕቡእ ዘመሓላለፉ እንተኾኑ ነዚ ክፍፅሙ ዘይከኣሉ ግና ዋላ ኣብ ፈተና ፅቡቕ ውፅኢት እንተምፅኡ ክወድቁ ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ብኻሊእ መዳይ ድማ ምንም ብቕዓት ንዘይብሎም ደቂ ሃፋትም ካብ’ቲ ዝተጠየቕዎ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ጉቦ  ብምኽፋል ብዘይ ዝኾነ ዉፃእ ዉረድ መንጃ ፍቓድ ይወሃቦም ከም ዘሎ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ገሊፆም።