Tuesday, May 19, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ስኢኖም ኣብ ጎደና ዝሓድሩ ወገናታና ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኣገዲዱ ብመካይን ሓፊሱ ናብ ክልል ዓፋር የግዕዞም ምህላዎም ተፈሊጡ።



  እዞም ብሰንኪ ስራሕ ስእነትን ካልኦት ማሕበራዊ  ፀገማትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎደና ዝሓድሩ ዜጋታትና ኣብ ዝመፅእ ምስሉይ መረፃ ናዕቢ ከየለዕሉ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ክልል ዓፋር ተኸፊቱ ኣብ ዝርከብ ሓፂን መፂንን ዕንፀይትን ስራሕ ክትዋፈሩ ኢኹም እናበሉ ብመካይን ሓፊሶም ይወስድዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ  ንዝኣበዩ ድማ ፌዴራል ፖሊስ ብበትሪ እናቐጥቀጡ ብ5 ግንቦት 2007 ዓ/ም ከግዕዝዎም ከም ዝዋዓሉ ምንጭታትና ገሊፆም።
 እዞም ብብርክት ዝበላ ናይ ፅዕነት መካይን ከም ንብረት ተፀፋፂፎም  ብኣስገዳድ ናብ ክልል ዓፋር ዝወሰዱ ዘለዉ ወገናት ስራሕ ንኽፍጠረሎም ተደልዩ ዘይኮነስ  ክሳብ እቲ መረፃ ዝሓልፍ ድኣ’ምበር መረፃ ምስ ሓለፈ ቆላሕ ዝብሎም ከም ዘይህሉ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።