Saturday, May 16, 2015

ኣብ ዞባ ኣዊ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝወዳደሩ ተቓወምቲ ዉድባት ዝለጠፍዎ ፖስተራት ብልዃት እቲ ስርዓት ይቕደድ ምህላዉ ምንጭታትና ገሊፆም።



ንተወዳደርቲ ፖለቲካ ዉድባት መሰረት ገይሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ከተማታት ቻግኒ፤ ዳንግላ፤ እንጂባራ፤ ፈንደቃን ግምጃ ቤትን ዝወዳደሩ ተቓወምቲ ዉድባት ዕላምኦምን ፖሊሲኦምን ንህዝቢ ንምፍላጥ ዝለጠፍዎ ፖስተር ብልኡዃት ገዛኢ ስርዓት ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ይቕደዱ ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊኦም ምፍርራሕን ፀርፍን ይበፅሖም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ንግዚኡ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ናይ ቅንጅትን ኢዴፓን ተወከልቲ እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ባዝዘዉ ጫኔ ብዘዉረዶ መምርሒ መሰረት ይፍፀም ከም ዘሎ ኣረዲኦም።
  ብተመሳሳሊ ኣብ’ቲ ዞባ ወረዳ ጃዊ ማምብሉክ፤ ወርቅ ሜዳ፤ ደቅ ዘረገነት፤ ከብተሌን ፈንደቃን ኣብ ዝተብሃሉ ናይ መረፃ ስፍራታት ኣይተ ዘለቀ፤ ኣይተ ግሩምን ኣይተ ካሳሁንን ዝተብሃሉ እቲ ስርዓት ዘዋፈሮም ንከብዶም ዝሓድሩ ሰባት ንተወከልቲ ሰማይዊ ፓርቲ ምስ ኣሸባሪ ግንቦት 7 ርክብ ኣለኩም ኣብዚ ወረዳ ድማ ኣሸባሪ ክወዳደር ኣይኽእልን እናበሉ ዝለጠፍዎ ፖስተር ብግልፂ ቀዲዶም ከም ዝደርበዩዎ ምንጭታትና ገሊፆም።