Saturday, May 16, 2015

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ክፍለ ከተማታት ናይ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ዕላማን ፃዉዒትን ዝገልፅ ፓምፍሌት ተበቲኑ።



ወኪላትና ካብታ ከተማ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት መስቀል ኣደባባይን ናይ ኣዉቶብስ ፌርማታን ከምኡ ‘ውን መናሃርያ ቃሊቲ ከባቢኡን ኣብ ዘለው ጎደናታት ዝተበተነ እንትኾን እቲ ፓምፍሌት ዕላማን መርገፅን ዉድብ ዴምህትን ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ዝገልፅ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ብሰላምዊ ቃልሲ ለዉጢ ክርከብ ከም ዘይኽእል ዜጋታት መሰሎም ንምኽባር እቲ ስርዓት ባዕሉ  ዝኣምነሉ ብኣፈሙዝ ብረት ምግጣም ጥራሕ እቲ እንኮ መፍትሒ’ዩ ዝብል ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
   እዚ ብ21 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ዝተበተነ ፓምፍሌት ወረቐት ኩሉ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ናብ ቃልሲ ብምልዕዓል ኣብ ጎኒ ዴ.ም.ህ.ት ተሰሊፉ ብፅሒቱ ከበርክትን ዕድመ ስልጣን ናይ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ከሐፅርን ከምዘለዎ ዴ.ም.ህ.ት ፃውዒት ከምዘቕረበ ነቲ ፓምፍሌት ዘንበቡ ዜጋታት መዛረቢ ዛዕብኦም ገይርሞ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።