ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን
ጎጃም ብምኽንያት መረፃ ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታትና ይእሰሩ ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ዝሳተፉ ናይ ሰማያዊ
ፓርቲ ኣባላት ዝኾኑ ዜጋታት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ጠቐነ ብኣባላት ድህንነትን
ፀጥታን እናተሃደኑ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።
እቶም ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ኣባላት ዝኾኑ ወገናትና ማንኩስ፤ ደንበጫ፤ ፍኖተ
ሰላም፤ ማቻከል፤ ሉማሜ፤ ሰከላን ኣዴትን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ካብ 27 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ብዙሓት መናእሰይ ከም ዘተኣሰሩ
ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ቀበሌ 02 ቤት ፅሕፈት
ተኻርዮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ኣባላት ናይ ውድቦም ዕላማ ዝገልፁ ፖስተራት ንምልጣፍ ኣብ ዝፈተኑሉ ብፖሊስ እናተቐጥቀጡ
ከም ዝተባረሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ገሊፆም።