ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ደቡብ
ዞባ ኦሞ ወረዳ ሃመር ከተማ ዲመካ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብቲ ብ16 ግንቦት 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ክመርፁ ዕድል ከይተወሃቦም
ሓሊፉ እናሃለወ ገዛኢ ስርዓት ደኢህዴን/ኢህወዴግ ግና ኣብቲ ከባቢ ምሉእ ድምፂ ረኺበ ስዒረ ብምባሉ ተቖጢዖም ኣብዚ ቅንያተ ኣብ
ዘካይድዎ ተኸታታሊ ተቓዉሞ ሰልፊ ብወተሃደራት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ካብ ዝበፅሖም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት ኣስታት
100 ንፁሃት ወገናት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተገሊፁ።
ካብ’ቶም ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይ’ቲ ስርዓት ዝተቐተሉ ዜጋታት
ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ኣይተ ጌታቸው ለማ፤ ኣይተ ጣሰው ቢያርግልኝ፤ ኣይተ ቢራራ ምንዳ፤ ወ/ሮ ሌሊቱ ቱፋ፤ ኣይተ ዳኘው ሸምሱ፤
ኣይተ ቃሲም፤ ኣይተ ኮት፤ ሳሊሕ ኢብራሂምን ካልኦትን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሞንጎ ተቓዉሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ነበርቲ ዲመካን ነቲ ተቓዉሞ ንምብታን ዝተቀሳቐሱ
ወተሃደራት ገዛኢ ስርዓትን ብዝተፈጠረ ግጭት 5 ወተሃደራት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ንግዝኡ ሽሞም ዘይተነፀሩ ኣስታት
100 ዜጋታት ተቐቲሎም ሬሳታቶም ፈቐዶ ጎደና ተደብርዩ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገልፅና ምንባርና ይፈልጥ።